ኣብ ሻፍሃውሰን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ዝካየድ ዝርርብ መግለጺ
wir leben zusammen

Unterzeichner der Schaffhauser Erklärung 2016

1. ኣብዚ ኣብ ሻፍሃውሰን ነበርቲ ብምዃንና ነመስግን፡ ንኹሎም በብሃይማኖቶም ከምልኹ ዘፍቅድ ናይ እምነት ናጽነት ከኣ ነኽብር።

2. ንናይ ደሞክራስያዊ ስርዓተ-ሕጊ፡ ቅዋም ንምእዘዝ፡ ንባህልታት ነኽብር፡ ኣብ ህንጸት ሕብረተ ሰብ ከኣ ንካፈል።

3. ንብዝሐ-ፍልልይነት ባህልታት፡ ሃይማኖታትን ርእይቶታትን ነኽብርን፡ ብዓይኒ ረብሓ ንጥምትን፣ ምስ ካልኦት ርክባት ንምፍጣር ከኣ ቅሩባት ኢና።

4. ን ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተመርኮሰ ሓባራዊ ናብራ ኣስተዋጽኦ ንምብርካት ኣብ ዝርርብ ክንካፈል ቅሩባት ኢና፡፡

5. ኣንጻር ብስም ሃይማኖት ንዝፍጸም ግብረ ዓመጻ ንምቅዋም ኣብ ዕዮ ንጽመድ፡ ንምእንቲ ሰላም ከኣ ዓቕምና ዘፍቅዶ ዘበለ ኩሉ ነበርክት።